Geez Calendar => ፳፻፲፭ (2015) ዓ.ም.ግእዝ / 2022-2023
ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት፣ ወሰላም በምድር
"ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፤ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ።"
እዚ ቃል እዚ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ፣ እግዚኣብሔር ወልድ ሥጋ ለቢሱ፣ ሰብ ኮይኑ፣ ዝተገልጸሉን ዝተራእየሉን መዓልቲ ዕለተ ልደት፣ እቶም ምስጋና ዝሥርሖም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዝዘመሩዎን ዘመስገኑዎን ምስጋና ኢዩ።Read more....
...ጐይታ ግን ሓያል ኣምላኽ ብምዃኑ መቓብር ክፈቱለይ መጋንዝ ፍትሑለይ ከይበለ ንሓይሊ ሞት ኣሰኒፉ ተንሥአ፡ ንስሙ ምስጋና ይኹን። ሓለውቲ መቓብር ንርእሶም ከም ኣብድንቲ ኮኑ። እዚ ኸኣ ናይ ዳዊት ትንቢት “ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፡ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፡ ንጸላእቱ ሃዲሞም ንድሕሪት ክሣዕ ዝምለሱ ሰዓሮም” ዝበሎ ክዉን ገበሮ። “ይትነሣእ እግዚኣብሔር ወይዘረዉ ጸሩ” ማለት “ኣምላኽ ይተንሥእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዝጸልእዎ ኸኣ ካብ ገጹ ይህደሙ።” መዝ.78፡65, መዝ.68፡1. ዝተባህለ ኩሉ ተፈጸመ... Read More....
ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ። ሉቃስ 1፡46
ልዑል እግዚኣብሔር ንወድ ሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ክፈጥሮ ከሎ፡ ከመስግኖ ክውድሶ ክእዘዞ ከፍቅሮ መወዳእትኡ ድማ መንግሥቱ ከውርሶ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እቶም ንዘለዓለም ብጽቡቕ ክዝከሩን ክለዓሉን ዝነብሩ ኣቦታት፡ ነቢያት ኮኑ ሓዋርያት፡ ጻድቃን ኮኑ ሰማዕታት፡ ተፈጥሮኦም ሓሊዮም፡ ብምስጋና፡ ብውዳሴ፡ ብመስዋዕቲ፡ ብቕኑዕ ኣምልኾ፡ ንእግዚኣብሔር ኣስሚሮሞ ኢዮም። ባህ ስለ ዘበልዎ ድማ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ “ዓይኒ ዘይረኣዮ፡ እዝኒ ዘይሰምዖ፡ ልቢ ሰብ ዘይሓለኖ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ።” ዝበሎ 1ቆሮ.2፡9 ኩሉ መንገዶም ኣምላኽ ዝሕጐሰሉ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ንዘለዓለም ክሕጐሱ ይነብሩ ኣለዉ። ካብዞም ሕጉ ሓሊዮም ዝኸዱ ኣበው ዝተረኽበትን ዝተወልደትን ድማ ፍልይ ዝበለት ኣደ “እሞሙ ለኵሎሙ ሕያዋን Read more...
ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ኪውለድ ከሎ፡ መልኣኽ ንጓሶት “እነሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ’ሞ ኣይትፍርሁ እናበለ ዘበሠሮም ንሓደ ንኽልተ ዘይኮነስ ንኹሉ ዓለም ዝኸውን ሓጎስን ፍሥሓን ኢዩ። ቅድሚ ልደት ጐይታ ኩሉ ዓለም በታ ናይ ኣቦና ኣዳም ስሕተት ኣብ ግዝኣት ጸላኢ ክጸንሕ ከሎ፡ ጐይታ ምስ ተወልደ ግን፡ ብርሃን ፀሓይ ክቕልቀል ከሎ ጸልማት ከም ዝሃድም፡ ሥልጣን ጸልማት ርሒቑ ግዝኣት ሰይጣን ዓነውነው ኢሉ ፈረሰን ረሓቐን።“ነቶም ሕልቅነትን ሥልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ ብመስቀሉ ምስ ሰዓሮም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣሕፈሮም” ይብል ቈላስይስ 2፡15። እዚ ልደት’ዚ Read More....
እዚ ቃል’ዚ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ቅዱስ ፍቓዱ ኰይኑ ነቲ ሓደ ወዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ክውለድ፡ ሥጋ ክለብስ ምስ ፈቐደ፡ ንመልኣኹ ልኢኹ ምስ ኣበሠራ፡ ንሳ ድማ እግዚኣብሔር ዝሃባ ጸጋን ክብርን ርእያ ኣቐዲማ ንፈጣሪኣ ከተመስግን ከላ፡- “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ መድሓንየይ ባህ ይብሎ።...” ኢላ ኣመስገነት እሞ ከምቲ መልኣኽ “ኣቲ ምልእተ ጸጋ ሰላም ንዓኺ ይኹን፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ'ሞ ባህ ይበልኪ ዝበላ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብኣ ወሪዱ፡ ሓይሊ ልዑል ኣጽሊሉ፡ እቲ ካብኣ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነብሳ ነብሲ ወሲዱ ምስ ተወሃደ፡ እቲ ኩሉ መጻኢ ነገራት ተገሊጹላ፡ “እነሆ ካብ ሕጂ ኩሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኪብሉኒ ኢዮም” ኢላ ተነበየት።Read More....
ነቢይ ኢሳይያስ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሉ ብዛዕባ ልደት ጐይታ ብዙሕ ግሉጽን ብሩህን ትንቢታት ተነብዩ ኢዩ። ንሱ ድማ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ብርሃን ከም ዝኾነ ተራእይዎ፡ “እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም።” ኢሳ.9፡2 ክብል ነቶም ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ክሕደትን ሓጢኣትን ዝነብሩ ንዝነበሩ ሕዝቢRead more .....
ህንጸት ቤተ ክርስቲያን ፳ ሰነ + ማቴ 22፡1-22 መርዓ ተዓዲሞም ዝመጹን ዝኣበዩን June 27, 2010
በዓለ መንፈስ ቅዱስ May-23-2010ኣብ መበል 50 መዓልቲ ድሕሪ ፋሲካ ዝውዕል በዓል፡ ኩላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ፡ ብሃንደበት ከኣ ከም ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ካብ ሰማይ ድምጺ መጸ፡ ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤት ውን መልኣ፡ ልሣናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተራእዮም፡ ተመቓቒሉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፎም ዓለበ፡ ንኹሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ከም ዝሃቦም ውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።.... | ![]() |
...ጐይታ ግን ሓያል ኣምላኽ ብምዃኑ መቓብር ክፈቱለይ መጋንዝ ፍትሑለይ ከይበለ ንሓይሊ ሞት ኣሰኒፉ ተንሥአ፡ ንስሙ ምስጋና ይኹን። ሓለውቲ መቓብር ንርእሶም ከም ኣብድንቲ ኮኑ። እዚ ኸኣ ናይ ዳዊት ትንቢት “ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፡ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፡ ንጸላእቱ ሃዲሞም ንድሕሪት ክሣዕ ዝምለሱ ሰዓሮም” ዝበሎ ክዉን ገበሮ። “ይትነሣእ እግዚኣብሔር ወይዘረዉ ጸሩ” ማለት “ኣምላኽ ይተንሥእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዝጸልእዎ ኸኣ ካብ ገጹ ይህደሙ።” መዝ.78፡65, መዝ.68፡1. ዝተባህለ ኩሉ ተፈጸመ... Read More....
ኣነ መንየ ኢልና ርእስና ንመርምር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ሓጢኣትና ንዘክር
በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ኣምላኽና /2/
ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ብኣና ተጣሒሱ፡ ብኽፍኣት ብሕሜት ኣካልና ረኪሱ
በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ኣምላኽና /2/
ናይ ሥጋ ጥቕሚ ሪኡ ልብና ጸኒዑ፡ ሞት ክሣብ ዝወስደና ንምንታይ ዘንጊዑ
በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ኣምላኽና /2/
ንንስሓ ዝኸውን ካብ ሃበና ዕድመ፡ ንመለስ ናብ ኣምላኽና ብርሃንና ከይጸለመ
በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ኣምላኽና /2/
ኣሞጽ ኣብ ትንቢቱ ከም እተነበዮ፡ ነፍስና ከይትጠሚ ቃሉ ንስማዓዮ
በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ንኣምላኽና /2/
ናይ ጻድቃን ሰማዕታት ናይ ድንግል ጸሎታ፡ ኣይፈለየና ኣብ ቅድሚ ልዑል ጐይታ
በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ንኣምላኽና /2/
ዓመታዊ ክብረ-በዓል ኣስተርእዮ ደብረ ሰላም ቅድስት ማርያም ቤተ-ክርስቲያን ሽካጎ፡ ቀዳም 30 ጥሪ 2010 ብኽብ ዝበለ ስነ-ሥርዓት ብድምቀት ተኸቢሩ። እቲ በዓል ዓርቢ ናይ ምሸት ብዋዜማ ተጀሚሩ፡ ቀዳም ድማ ካብ ንግሆ ሰዓት 5 ጀሚሩ ሙሉእ መዓልቲ ብማኅሌት ብቅዳሴ ብመዝሙር ካልእ ውን ብዝተፈላለየ መደባት ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል ህዝቢ ሽካጎን ከባቢኣን ከምኡ ውን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ካህናትን ምእመናንን ተረኺቦም ብድምቐት ኣኽቢሮሞ። ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ....
.....ናታ ኣማላድነት ቅልጡፍን ሕራይ ዘብልን ከም ዝኾነ ኣቐዲምና ርኢናዮ ኢና፡ ኣብቲ መርዓ ናይ ቃና፡ ወይኒ ተወዲእዎም ክጭነቑ ምስ ረኣየቶም በቲ ርህራሄኣ "ወይኒ እምበር የብሎምን" ኢላ ንጐይታ ምስ ለመነቶ፡ ጐይታ ኸኣ ልማኖኣ ሰሚዑ ንግዚኡ ነቲ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ ኢሉ ናብ ወይኒ ለዊጡ ከም ዝሕጐሱ ገበሮም። "ወሥሉጥ ስምኪ በኀበ እግዚኣብሔር" ይብል። ቅድስት ማርያም በዚ ከምዚ ዝበለ ቅድስናን ንጽህናን ድሕሪ ምጽናሓ፡ ጐይታ ዓርቢ ስቕለት ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ክሰናበት ከሎ ንተመሃራዩ ዮሓንስ እነሃ ኣዴኻ፡ ንዓኣ ድማ እነሆ ወድኺ ብምባል ብዮሓንስ ኣቢሉ ንኹልና እነሃ ኣዴኹም ኢሉ ኣደን ኣማላዲትን ገዲፉልና ኢዩ። ድሕርዚ ምስ ዮሓንስ ን 15 ዓመት ጸኒሓ ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተወልደት ስለ ዝኾነት በቲ ንኣዳም ዝተኣዘዘ መጸዋዕታ ሞት፡ ኣብ መበል 64 ዕድሜኣ፡ በዚ ኦኣመት ዓመት እንዝክሮ ዘሎና ዕለት 21 ጥሪ ዓረፈት። "ኢያድለወ ሞተ ክርስቶስ ለሥጋ ኣባሉ" ብሞትስ ነዲኡ'ኳ ኣይነሓፋን ኣየዳለዋን ይብል ቅዱስ ያሬድ። ተወሳኺ ንባብኣብዚ ጠውቑ....
ዘበነ ክረምት፡ ታሪኽ ኖህ፡ መወዳእታ ዓለም፡ ማቴ.24፡36-ፍጻሜ July 19, 2009
ጴጥሮስ ወጳውሎስ፡ ዮሓ.21፡15-19. July 12, 2009
ዘበነ ክረምት፡ ምስላ ዘርእን ዘራእን፡ ሉቃስ.8፡1-22. July 5,2009