Eritrean Orthodox Tewahdo Church of St Mary in Chicago

Subtitle

Welcome!

 

 

Easter ትንሣኤ May 01, 2016



ትንሣኤ: ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን May 01, 2016
...ንሕና’ውን ከምቲ ጐይታ ዝተንሥኦ ኵልና ክንትሥእ ከም ዝኾንና ንኣምን ኢና። “ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሥአ፡ በዚኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ ኮነ” (1 ቆሮ 15፡20)። ግንከ ክልተ ዓይነት ትንሣኤ ከምዘሎ ድማ፡ ኣይንረስዕ፡ ትንሣኤ ሕይወትን፡ ትንሣኤ ኵነኔን (ዮሓ 5፡29)።  ንሕና እንደልዮን፡ እንጽበዮን ድማ፡ ትንሣኤ ሕይወት ኢዩ። ትንሣኤ ሕይወት ንምርካብ ከኣ፡ ከምቲ ጐይታ ካባና ዝጽበዮ ኴይንና እንተ ጸናሕና ኢና። ንሱ ከኣ፡ ቅድም፡ ፍጹም ሙሉእ እምነት፡ ሒዝና፡ ብሠናይ ግብሪ፡ ተሸሊምና ብፍቅሪ-ሓድሕድ ተጸሚድና ክንመላለስ እንተ ጸኒሕና፡ ጐይታ ከኣ፡ ኣብቲ መወዳእታ ፍርዲ፡ ትንሣኤ ሕይወት ኣተንሢኡ፡ “ንዑ ናባይ” ዝብል ቃሉ ከምዘስምዓና፡ ርግጸኛታት ኢና። በዓል ከነብዕል ከሎና፡.Read more...
ሆሣዕና፡ ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚኣብሔር April 24, 2016
...ጐይታ ከምዚ ኢሉ ብኽብሪ፡ ብዓጀብ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ንቤተ መቕደስ ዕዳጋ ጌሮሞ ጸንሑዎ፡ ንሱ ከኣ ንኹሎም ሸቃጦ ሰጕጉ “ቤተይ ቤት ጸሎት ክበሃል ኢዩ፡ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ” በሎም።ኣብኡ ንዝጸንሑ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድማ፡ ርኅራኄኡን፡ ኣምላኽነቱን፡ ንኽገልጽ፡ንኹሎም ኣሕወዮም። ማቴ. 21.13—15. በዓል ሆሣዕና እምበኣር ጐይታ ሰማይን ምድርን ንግሥነቱ ከርኢ፡ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሣሌም ዝኣተወሉ ሥልጣኑ ዘርኣየሉ መዓልቲ ኢዩ። Read more... 
ኣስተርእዮ January 30, 2016
ኣስተርእዮ
          ፈጣሬ ዓለማት ልዑል ኣምላኽና ኣቦና ኣዳም ብዝበደሎ በደል፡ ንሓዋሩ ይጥፋእ ኢሉ፡ ኣይሓደጎን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ፡ ኢሉ ተስፋ ድሕነት ሂቡዎ ነበረ። ነቲ ተስፋ ከኣ ብዝተፈላለየ ምሳሌታት ይገልጾ ነበረ። ቅድም ኢሉ ንሙሴ ብኣሻዅ ቈጥቋጥ ክግለጸሉ ከሎ፡ ሙሴ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ልዕሊኣ እናነደደ ንሳ ግና ዘይትቃጸል፡ ቈጽላ ዘይሓርር ምስ ረኣየ ተገረመ እሞ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ካብ ማእከል እታ ቈጥቋጥ፡ “ሙሴ፡ ሙሴ፡ ክብል ኣምላኽነቱ ገለጸሉ” (ዘጸ. 3፡2-7)። ነዚ ምግላጽ እዚ ከኣ፡ ኣቦታት ቤተ-ክርቲያንና፡ “ተመሰልኪ ዕፀ-ጳጦስ፡ ዘርእየ ሙሴ” በታ ሙሴ ብነበልባል ሓዊ፡ ተኸቢባ ከላ ቈጽላ ከኣ፡ ዘይተቓጸለ ዝረኣያ ዕፀ-ጳጦስ ተመሰልኪ Read more....
ጥምቀት + ቃና ዘገሊላ January 24, 2016

ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት፣ ወሰላም በምድር 

"ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፤ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ።"

እዚ ቃል እዚ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ፣ እግዚኣብሔር ወልድ ሥጋ ለቢሱ፣ ሰብ ኮይኑ፣ ዝተገልጸሉን ዝተራእየሉን መዓልቲ ዕለተ ልደት፣ እቶም ምስጋና ዝሥርሖም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዝዘመሩዎን ዘመስገኑዎን ምስጋና ኢዩ።Read more....

ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ሓድሽ ዓመት Indianapolis IN. September 12, 2015
ኣስተርእዮ January 2015
21 ጥሪ ዓመት ዓመት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል ዕረፍታ መዘከርታ እነብዕለሉ ዕለት ክኸውን ከሎ፡ ኣስተርእዮ ኢልና ድማ፡ ንጽውዖ። ኣስተርእዮ ማለት ድማ ብሓጺሩ ናይ ጐይታ ምግላጽ፡ ምግሃድ፡ ኢዩ። እዚ ከኣ ጐይታ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ፡ ተዋሂዱ፡ ኣምላኽ ክነሱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወሊዱ ምርኣይን፡ ምግላጽን ኢዩ። Read more...

...ጐይታ ግን ሓያል ኣምላኽ ብምዃኑ መቓብር ክፈቱለይ መጋንዝ ፍትሑለይ ከይበለ ንሓይሊ ሞት ኣሰኒፉ ተንሥአ፡ ንስሙ ምስጋና ይኹን። ሓለውቲ መቓብር ንርእሶም ከም ኣብድንቲ ኮኑ። እዚ ኸኣ ናይ ዳዊት ትንቢት “ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፡ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፡ ንጸላእቱ ሃዲሞም ንድሕሪት ክሣዕ ዝምለሱ ሰዓሮም” ዝበሎ ክዉን ገበሮ። “ይትነሣእ እግዚኣብሔር ወይዘረዉ ጸሩ” ማለት “ኣምላኽ ይተንሥእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዝጸልእዎ ኸኣ ካብ ገጹ ይህደሙ።” መዝ.78፡65, መዝ.68፡1. ዝተባህለ ኩሉ ተፈጸመ... Read More....

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስሙ ምስጋና ይኹን፡ ንድሕነት ዓለም ክብል ሥጋ ለቢሱ፡ ሰብ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓለም’ዚ ን33 ዓመትን 3 ወርሕን ተቐሚጡ ኢዩ። እቲ ዝበዝሐ ትምህርቱን ተኣምራቱን ደማ ድሕሪ ጥምቀቱ፡ ብጾም ዝጀመሮ፡ 3 ዓመትን 3 ወርሕን ዝፈጸሞ፡ ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ተጻሒፉልና ዝርከብ ኢዩ። ጐይታ ዝፈጸሞ ተግባራት ኩሉ ካብ ዝውለድ፡ ክሣብ ዝስቀል፡ ተንሢኡ ክሣብ ዝዓርግ፡ ብሙሉኡ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያት ጌሩ ገሊጹዎ ኔሩ ኢዩ።Read More....
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታ May 05, 2013
ሕያዋይን ርህሩህን መፍቀር-ሰብን ዝኾነ ልዑል ኣምላኽና፡ ነቲ ነቦና ኣዳም ዘተስፈዎ ተስፋ ድሕነት፡ ክፍጽም ሥጋና ለቢሱ ንዓና መሲሉ፡ ከድሕነና ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ፡ ደቂ ሰባት ክንገብሮ ዝግባኣና ኩሉ ሠናይ ተግባራት ምሂሩናን ኣርእዩናን  ኢዩ፡ መጀመርያ ንኹሉ ሠናይ ተግባር መሠረቱ ጾም፡ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ትምህርቱ ኮነ ተኣምራቱ ቅድሚ ምጅማሩ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ.Read More.... 

ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ። ሉቃስ 1፡46

      ልዑል እግዚኣብሔር ንወድ ሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ክፈጥሮ ከሎ፡ ከመስግኖ ክውድሶ ክእዘዞ ከፍቅሮ መወዳእትኡ ድማ መንግሥቱ ከውርሶ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እቶም ንዘለዓለም ብጽቡቕ ክዝከሩን ክለዓሉን ዝነብሩ ኣቦታት፡ ነቢያት ኮኑ ሓዋርያት፡ ጻድቃን ኮኑ ሰማዕታት፡ ተፈጥሮኦም ሓሊዮም፡ ብምስጋና፡ ብውዳሴ፡ ብመስዋዕቲ፡ ብቕኑዕ ኣምልኾ፡ ንእግዚኣብሔር ኣስሚሮሞ ኢዮም። ባህ ስለ ዘበልዎ ድማ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ “ዓይኒ ዘይረኣዮ፡ እዝኒ ዘይሰምዖ፡ ልቢ ሰብ ዘይሓለኖ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ።” ዝበሎ 1ቆሮ.2፡9 ኩሉ መንገዶም ኣምላኽ ዝሕጐሰሉ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ንዘለዓለም ክሕጐሱ ይነብሩ ኣለዉ። ካብዞም ሕጉ ሓሊዮም ዝኸዱ ኣበው ዝተረኽበትን ዝተወልደትን ድማ ፍልይ ዝበለት ኣደ “እሞሙ ለኵሎሙ ሕያዋን Read more...

ሕጻን ተወልደ ለነ ወልድ ተውህበ ለነ 

ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ኪውለድ ከሎ፡ መልኣኽ ንጓሶት “እነሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ’ሞ ኣይትፍርሁ እናበለ ዘበሠሮም ንሓደ ንኽልተ ዘይኮነስ ንኹሉ ዓለም ዝኸውን ሓጎስን ፍሥሓን ኢዩ። ቅድሚ ልደት ጐይታ ኩሉ ዓለም በታ ናይ ኣቦና ኣዳም ስሕተት ኣብ ግዝኣት ጸላኢ ክጸንሕ ከሎ፡ ጐይታ ምስ ተወልደ ግን፡ ብርሃን ፀሓይ ክቕልቀል ከሎ ጸልማት ከም ዝሃድም፡ ሥልጣን ጸልማት ርሒቑ ግዝኣት ሰይጣን ዓነውነው ኢሉ ፈረሰን ረሓቐን።“ነቶም ሕልቅነትን ሥልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ ብመስቀሉ ምስ ሰዓሮም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣሕፈሮም” ይብል ቈላስይስ 2፡15። እዚ ልደት’ዚ Read More....

ትምህርቲ ዓርቢ ስቅለት

 
 
ትንሣኤ April 24, 2011


ሆሣዕና (March 28, 2010)

ኣስተርእዮ January 29,2011

እዚ ቃል’ዚ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ቅዱስ ፍቓዱ ኰይኑ ነቲ ሓደ ወዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ክውለድ፡ ሥጋ ክለብስ ምስ ፈቐደ፡ ንመልኣኹ ልኢኹ ምስ ኣበሠራ፡ ንሳ ድማ እግዚኣብሔር ዝሃባ ጸጋን ክብርን ርእያ ኣቐዲማ ንፈጣሪኣ ከተመስግን ከላ፡- “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ መድሓንየይ ባህ ይብሎ።...” ኢላ ኣመስገነት እሞ ከምቲ መልኣኽ “ኣቲ ምልእተ ጸጋ ሰላም ንዓኺ ይኹን፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ'ሞ ባህ ይበልኪ ዝበላ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብኣ ወሪዱ፡ ሓይሊ ልዑል ኣጽሊሉ፡ እቲ ካብኣ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነብሳ ነብሲ ወሲዱ ምስ ተወሃደ፡ እቲ ኩሉ መጻኢ ነገራት ተገሊጹላ፡ “እነሆ ካብ ሕጂ ኩሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኪብሉኒ ኢዮም” ኢላ ተነበየትRead More....

ሕፃን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተዋሂቡልና። ኢሳ.9፡6 January 7, 2011

ነቢይ ኢሳይያስ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሉ ብዛዕባ ልደት ጐይታ ብዙሕ ግሉጽን ብሩህን ትንቢታት ተነብዩ ኢዩ። ንሱ ድማ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ብርሃን ከም ዝኾነ ተራእይዎ፡ “እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም።” ኢሳ.9፡2 ክብል ነቶም ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ክሕደትን ሓጢኣትን ዝነብሩ ንዝነበሩ ሕዝቢRead more ..... 

ቍስቋም November 14, 2010 ...ንኽፉእ ሰብ፡ ኣብ ቦታኣ ጥዒምዋ ኸም ዝለምዐት ኦም ኮይኑ ረኣኹዎ። ምልስ እንተበልኩ ግና ሰኣንክዎ።... መዝ.37፡1-40,ማቴ.2፡19-23

በዓለ መንፈስ ቅዱስ May-23-2010

ኣብ መበል 50 መዓልቲ ድሕሪ ፋሲካ ዝውዕል በዓል፡ ኩላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ፡ ብሃንደበት ከኣ ከም ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ካብ ሰማይ ድምጺ መጸ፡ ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤት ውን መልኣ፡ ልሣናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተራእዮም፡ ተመቓቒሉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፎም ዓለበ፡ ንኹሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ከም ዝሃቦም ውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።....
ግብሪ ሓዋርያት 2፡ 1-47.

 

...ጐይታ ግን ሓያል ኣምላኽ ብምዃኑ መቓብር ክፈቱለይ መጋንዝ ፍትሑለይ ከይበለ ንሓይሊ ሞት ኣሰኒፉ ተንሥአ፡ ንስሙ ምስጋና ይኹን። ሓለውቲ መቓብር ንርእሶም ከም ኣብድንቲ ኮኑ። እዚ ኸኣ ናይ ዳዊት ትንቢት “ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፡ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፡ ንጸላእቱ ሃዲሞም ንድሕሪት ክሣዕ ዝምለሱ ሰዓሮም” ዝበሎ ክዉን ገበሮ። “ይትነሣእ እግዚኣብሔር ወይዘረዉ ጸሩ” ማለት “ኣምላኽ ይተንሥእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዝጸልእዎ ኸኣ ካብ ገጹ ይህደሙ።” መዝ.78፡65, መዝ.68፡1. ዝተባህለ ኩሉ ተፈጸመ... Read More....

ኣነ መንየ ኢልና ርእስና ንመርምር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ሓጢኣትና ንዘክር

በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ኣምላኽና /2/

ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ብኣና ተጣሒሱ፡ ብኽፍኣት ብሕሜት ኣካልና ረኪሱ

በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ኣምላኽና /2/

ናይ ሥጋ ጥቕሚ ሪኡ ልብና ጸኒዑ፡ ሞት ክሣብ ዝወስደና ንምንታይ ዘንጊዑ

በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ኣምላኽና /2/

ንንስሓ ዝኸውን ካብ ሃበና ዕድመ፡ ንመለስ ናብ ኣምላኽና ብርሃንና ከይጸለመ

በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ኣምላኽና /2/

ኣሞጽ ኣብ ትንቢቱ ከም እተነበዮ፡ ነፍስና ከይትጠሚ ቃሉ ንስማዓዮ

በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ንኣምላኽና /2/

ናይ ጻድቃን ሰማዕታት ናይ ድንግል ጸሎታ፡ ኣይፈለየና ኣብ ቅድሚ ልዑል ጐይታ

በደልና ኣሚንና ርእስና ኣትሒትና፡ በደልና ኣሚንና ንለምን ንኣምላኽና /2/

ዓመታዊ ክብረ-በዓል ኣስተርእዮ ኣብ ሽካጎ ብድምቀት ተኸቢሩ

ዓመታዊ ክብረ-በዓል ኣስተርእዮ ደብረ ሰላም ቅድስት ማርያም ቤተ-ክርስቲያን ሽካጎ፡ ቀዳም 30 ጥሪ 2010 ብኽብ ዝበለ ስነ-ሥርዓት ብድምቀት ተኸቢሩ። እቲ በዓል ዓርቢ ናይ ምሸት ብዋዜማ ተጀሚሩ፡ ቀዳም ድማ ካብ ንግሆ ሰዓት 5 ጀሚሩ ሙሉእ መዓልቲ ብማኅሌት ብቅዳሴ ብመዝሙር ካልእ ውን ብዝተፈላለየ መደባት ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል ህዝቢ ሽካጎን ከባቢኣን ከምኡ ውን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ካህናትን ምእመናንን ተረኺቦም ብድምቐት ኣኽቢሮሞ። ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ....

ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ መድሓንየይ ባህ ይብሎ። ኣስተርእዮ ጥሪ 2010

.....ናታ ኣማላድነት ቅልጡፍን ሕራይ ዘብልን ከም ዝኾነ ኣቐዲምና ርኢናዮ ኢና፡ ኣብቲ መርዓ ናይ ቃና፡ ወይኒ ተወዲእዎም ክጭነቑ ምስ ረኣየቶም በቲ ርህራሄኣ "ወይኒ እምበር የብሎምን" ኢላ ንጐይታ ምስ ለመነቶ፡ ጐይታ ኸኣ ልማኖኣ ሰሚዑ ንግዚኡ ነቲ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ ኢሉ ናብ ወይኒ ለዊጡ ከም ዝሕጐሱ ገበሮም። "ወሥሉጥ ስምኪ በኀበ እግዚኣብሔር" ይብል። ቅድስት ማርያም በዚ ከምዚ ዝበለ ቅድስናን ንጽህናን ድሕሪ ምጽናሓ፡ ጐይታ ዓርቢ ስቕለት ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ክሰናበት ከሎ ንተመሃራዩ ዮሓንስ እነሃ ኣዴኻ፡ ንዓኣ ድማ እነሆ ወድኺ ብምባል ብዮሓንስ ኣቢሉ ንኹልና እነሃ ኣዴኹም ኢሉ ኣደን ኣማላዲትን ገዲፉልና ኢዩ። ድሕርዚ ምስ ዮሓንስ ን 15 ዓመት ጸኒሓ ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተወልደት ስለ ዝኾነት በቲ ንኣዳም ዝተኣዘዘ መጸዋዕታ ሞት፡ ኣብ መበል 64 ዕድሜኣ፡ በዚ ኦኣመት ዓመት እንዝክሮ ዘሎና ዕለት 21 ጥሪ ዓረፈት። "ኢያድለወ ሞተ ክርስቶስ ለሥጋ ኣባሉ" ብሞትስ ነዲኡ'ኳ ኣይነሓፋን ኣየዳለዋን ይብል ቅዱስ ያሬድ። ተወሳኺ ንባብኣብዚ  ጠውቑ....

Drib Habti

Geez Calendar

Audio Bible

Bible Search

Search the Bible



BibleGateway.com

Facebook Fanpage Box

Recent Videos

4935 views